Tigrinska – Tigrinya – ትግርኛ
አብ መንጎ መቕርብ ብምፍርራሕን ዓመጽን ወይ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝተቓልዑ ትራንስ ብተሌፎንን ብቻትን ዝወሃብ መስመር ደገፍ
ንሕና፡ ብቐሪብ ሰብካ ኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ፋይናንሳዊ ዓመጽ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝተቓላዕኻ ትራንስ ዝኾንኻ፡ ናን-ባይነሪ’ውን የጠቓልል እዩ፡ ደገፍ ንህብ ሃገራዊ መስመር ኢና። ጽን ኢልና ንሰምዓካ፡ ንድግፈካን ሓገዝ አበይ ከም ዝርከብ ንሕብረካን። ምሳና ምርኻብ ገንዘብ ዘይክፈሎ ነጻ እዩ። መንነትካ ምቕላዕ አየድልን እዩ። ዕድመ ብዘየገድስ፡
ኲሉ ተሌፎን ክድውልን ቻት ክገብርን ይኽእል እዩ።
ቋንቋና ሽወደንኛ ኮይኑ፡ አድላዪ ምስ ዝኸወን ድማ ናይ ተሌፎን አስተርጓሚ ነቕርብ። አስተርጓሚ አብተሌፎን
ክሳብ ዝጽምበረና፡ ሓንሳብ ምጽባይ።
እቲ ዕላል ብሽወደንኛ ጥራይ እዩ
ቊጽሪ ተሌፎን 020-55 00 00 ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት፡ 11-19 ክፉት እዩ።
ቻት stodlinjenfortranspersoner.se
Stödlinjen för transpersoner መንግስቲ ብዝሃቦ ተልእኾ፡ ብሓልዮት NCK ይካየድ